6 ፍልስጥኤማውያን ከዓ እቲ ድምፂ ዕልልታ ምስ ሰምዑ “እዝ ኣብ ሰፈር ዕብራውያን ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ ብዙሕ ዕልልታስ እንታይ ኮን እዩ?” በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈሮም ከም ዝኣተወ ኸዓ ፈለጡ።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንኣንኩስ “እዞም ዕብራውያን እዚኣቶም ኣብዙይ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” በሉ። ኣንኩስ ድማ ንነገስታት ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ሓሽከር ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኮነን? ካብ ዓመት ዝበዝሕ ምሳይ ተቐሚጡ እዩ። ካብታ ናባይ ዝተፀግዐላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኣበር ኣይረኸብኩሉን” በሎም።
እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፥ ኵሎም እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እትናወፅ ብዙሕ ዓለሉ።
ፍልስጥኤማውያን የመና ፈርሑ፤ “ኣምላኽ ናብ ሰፈሮም መፂኡ እዩ” እውን በሉ። ንሳቶም ከዓ “ቅድሚ ሕዚ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ኮይኑ ኣይፈልጥን እሞ፥ ወይለና!