5 እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፥ ኵሎም እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እትናወፅ ብዙሕ ዓለሉ።
ሳዶቅ ድማ ኣብኡ ነበረ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ከዓ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ፆይሮም መፁ። ነቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ከዓ ኣቐመጥዎ፤ እቲ ዅሉ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝወፅእ ድማ ኣብያታር ብርኽ ናብ ዝበለ ቦታ ደየበ።
ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ዓጂቦምዎ ወፁ፤ ደርፊውን ይደርፉ ነበሩ፤ የመና ኸዓ ተሓጐሱ፤ ብወኻዕታኦም ድማ ምድሪ ተናወፀት።
ፈኸራ ኽፉኣት ሰባት ሓፂር፥ ሓጐስ እቲ ሕሱም ከዓ ኸም ቕፅበት ዓይኒ፥ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?
መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር! መቕደስ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ እናበልኩም ኣብ ቃል ሓሰት ኣይትተኣማመኑ።
ንኽፍእቲ መዓልቲ ኻባኻትኩም ንእተርሕቑ፥ ወንበር ዓመፅ ንተቕርቡ፥
“ንንፋስ ተኸቲሉ ስለ ወይንን ስለ ስኽራንን ትንቢት ክነግረካ እየ ኢሉ፥ ሓሰት ዝዛረብ ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ነዝ ህዝቢ እዙይ ነቢይ ይኸውን።
መለኸት ምስ ተነፍሐ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ህዝቢ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዑ፥ ዓው ኢሎምውን ድምፂ ምስ ኣስምዑ፥ እቲ መንደቕ ፈረሰ። ነፍሲ ወከፍ በብዘለዎ ደዪቡ ናብታ ኸተማ ሰተት ኢሉ ኣተወ፤ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ።
ቀርኒ መለኸት ብዘይ ምቍራፅ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፥ እቲ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም፥ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ድምፂ የስምዕ። ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ ኽወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በበቲ ዘለዎ ኽኣቱ እዩ” በሎ።
ናብ ሌሒ ምስ ቀረበ ኸዓ፥ እቶም ፍልስጥኤማውያን ዕልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፤ እቲ ኣብ ቀላፅሙ ዝነበረ ገመዳት ከዓ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኾነ። እቲ መእሰሪኡ መኺኹ ኸዓ ኻብ ኣእዳዉ ወደቐ።
ፍልስጥኤማውያን ከዓ እቲ ድምፂ ዕልልታ ምስ ሰምዑ “እዝ ኣብ ሰፈር ዕብራውያን ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ ብዙሕ ዕልልታስ እንታይ ኮን እዩ?” በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈሮም ከም ዝኣተወ ኸዓ ፈለጡ።