22 ንሳ ድማ “ታቦት እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ” በለት።
ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፤ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።
ኣሌፍ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ንጓል ፅዮን ከመይ ብደመና ኣጐልበባ። ነቲ ኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ነታ መርገፂ እግሩ ዝኾነት ኣይዘከራን።
ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ቅንኣት ቤትካ በልዐኒ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።
“እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ኣፍኒንን ፊንሓስን ዝመፅእ፥ ምልክት ክኾነካ እዩ፤ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኽሞቱ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ስድራ ኤሊ ኽገብሮ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽፍፅሞ እየ።
ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያንውን ስለ ዝሞቱ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ ብምባል፥ ነቲ ህፃን “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ኤብንዔዘር ወሲዶም ናብ ኣዛጦን ኣምፅእዎ።