Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 4:21 - መፅሓፍ ቅዱስ

21 ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያንውን ስለ ዝሞቱ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ ብምባል፥ ነቲ ህፃን “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 4:21
12 Referencias Cruzadas  

ንኽብሮምውን፥ ብምስሊ ሳዕሪ ዝበልዕ ብዕራይ ለወጥዎ።


ኦ ጐይታ፥ ነቲ እትነብረሉ ቤት፥ ነቲ ኽብርኻ ዝሓድረሉ ቦታ ፈተኹ።


ሓይላቶም ንምርኮ፥ ንሽልማቱውን፥ ናብ ኢድ ፀላኢኦም ኣሕሊፉ ሃበ።


ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፤ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።


“ናይ ብሓቂ ደኣ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን እምበር፥ ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ? ህዝበይ ግና ንኽብሮም፥ ከንቱ ብዝኾነ ለወጡ።”


ኣሌፍ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ንጓል ፅዮን ከመይ ብደመና ኣጐልበባ። ነቲ ኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ነታ መርገፂ እግሩ ዝኾነት ኣይዘከራን።


ውሉድ ወሊዶም እንተ ኣዕበዩኳ፥ ሓደ ሰብ ከይተርፈሎም ውሉድ ኣልቦ ኽገብሮም እየ። ካብኣቶም ምስ ረሓቕኩ ወይለኦም!


ኤፉድ ዝፀውር ከዓ ኣሒያ ወዲ ኣኪጡብ፥ ወዲ ሓዉ ንኢካቦድ ምስኣቶም ነበረ። ኢካቦድ ወዲ ፊንሓስ፥ ወዲ እቲ ኣብ ሴሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ ኤሊ እዩ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ።


“እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ኣፍኒንን ፊንሓስን ዝመፅእ፥ ምልክት ክኾነካ እዩ፤ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኽሞቱ እዮም።


በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ስድራ ኤሊ ኽገብሮ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽፍፅሞ እየ።


ታቦት እግዚኣብሄር ተማረኸ፤ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን እውን ሞቱ።


ንሳ ድማ “ታቦት እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ” በለት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos