2 ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ በርትዐ ድማ፥ እስራኤል ብፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ኣብቲ ዝተሰለፉሉ በረኻ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እስራኤላውያን ሞቱ።
ኖን። መንገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
ሓደ እኳ እንተየሳጐጎም፥ ካብ ቅድሚ ሰይፊ፥ ከም ዝሃድሙ ንስንሳቶም ይሰነኻኸሉ፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ደው ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
እቶም ኣብ እምባ ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፤ ክሳዕ ሔርማ ዝበፅሑ ኸዓ ኣሳጐጕዎም።
ስለዙይ ደቂ እስራኤል በዲሎም እዮም እሞ፥ ዝባኖም ናብ ገፅ ፀላእቶም ይመልሱ እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ክቖሙ ኣይኽእሉን እዮም። ነቲ ዝተሓረመ ካብ ማእኸልኩም እንተ ዘየጥፊእኹምዎ፥ ኣነ ድሕሪ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እየ።
እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ኽዋግኡ ማዕዶ ንማዕዶ ተሰላለፉ።
ጐልያድ ተሲኡ ነቶም ክዋግኡ ተሰሊፎም ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ዓው ኢሉ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ኢኹም ንውግእ ተሰሊፍኩም ዘለኹም? ኣነ ፍልስጥኤማዊ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ሓሻኽር ሳኦልዶ ኣይኮንክሙን ኢኹም? ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፥ ይግጠመኒ።
ቃል ሳሙኤል ከዓ ኣብ ኵሉ እስራኤል ተሰምዐ። ደቂ እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ኣቤንዔዘርውን ሰፈሩ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ።
ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። እቲ ውግእ ከዓ የመና በርትዐ እሞ፥ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ።
እቶም ተዋጋእቲ ናብ ሰፈሮም ምስ ተመለሱ፥ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፥ “ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ከም እንሰዓር ዝገበረና? እምበኣር ኣብ ማእኸልና ኾይኑ ኻብ ኢድ ፀላእትና ምእንቲ ኸድሕነና፥ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ሴሎ ናባና ነምፅኣዮ” በሉ።