Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 4:19 - መፅሓፍ ቅዱስ

19 ሰበይቲ ፊንሓስ ወዱ ድማ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፥ ታቦት እግዚኣብሄር ከም ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያን ከዓ ኸም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዐት፥ ሕርሲ ተትሓዘት እሞ፥ ብብርቱዕ ፃዕሪ ወለደት።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 4:19
7 Referencias Cruzadas  

ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ።


ሕርሲ በርቲዑዋ ኽትፀዓር እንተላ ድማ እታ መሕረሲት “ሕዚ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ” በለታ።


በቲ ዘመን እቱይ ኣብያ ወዲ ኢዮርብዓም ሓመመ።


ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፤ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።


ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሴሎ ኽገብራ እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዅላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።”


እቲ ሰብኣይ ምምራኽ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ነገሮ፥ ኤሊ ኣሪጉ፥ ሰብነቱውን ግዙፍ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ መንበር ኣብ ጥቓ እቲ በሪ ንድሕሪት ወደቐ። ክሳዱ ተሰይሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ዝመርሖም እዩ።


ንሞት ምስ ቀረበት ከዓ፥ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ኢለን ዝነበራ ኣንስቲ “ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፥ ኣይትፍርሒ” በላኣ። ንሳ ግና ሓደኳ ኣይመለሰትን፥ ኣየቕለበትሉንውን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios