Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 4:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 እቲ ሰብኣይ ምምራኽ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ነገሮ፥ ኤሊ ኣሪጉ፥ ሰብነቱውን ግዙፍ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ መንበር ኣብ ጥቓ እቲ በሪ ንድሕሪት ወደቐ። ክሳዱ ተሰይሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ዝመርሖም እዩ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 4:18
15 Referencias Cruzadas  

ኦ ጐይታ፥ ነቲ እትነብረሉ ቤት፥ ነቲ ኽብርኻ ዝሓድረሉ ቦታ ፈተኹ።


ፀላእተይ ኵልሻዕ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” እንትብሉኒ፥ ኣዕፅምተይ ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ፀረፉኒ።


ኵልሻዕ ኣምላኽካ ኣበይ እዩ? እንትብሉኒ፥ ንብዓተይ መዓልትን ለይትን ቀለብ ኮነኒ።


ቅንዓት ቤትካ በሊዑኒ ኣሎ፤ ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻውን ኣባይ ወደቐ።


ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።


ሶምሶን ብዘመን ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት መርሖም።


ንሱ ኽመፅእ እንተሎ፥ እንሆ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ተጨኒቑ ነበረ እሞ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ፥ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይ ዋይ በለት።


እቲ ወረ ዘምፅአ ሰብኣይ ድማ “ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃዲሞም፤ ብዙሕ ሰብውን ተወዲኡ፤ ክልቲኦም ደቅኻ ኦፍኒን ፊንሓስን ከዓ ሞይቶም፤ ታቦት እግዚኣብሄርውን ተማሪኹ” ኢሉ መለሰሉ።


ሰበይቲ ፊንሓስ ወዱ ድማ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፥ ታቦት እግዚኣብሄር ከም ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያን ከዓ ኸም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዐት፥ ሕርሲ ተትሓዘት እሞ፥ ብብርቱዕ ፃዕሪ ወለደት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios