11 ታቦት እግዚኣብሄር ተማረኸ፤ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን እውን ሞቱ።
ግና ንልዑል እግዚኣብሄር ፈተንዎን ኣቘጥዑዎን፤ ንምስክሩውን ኣይሓለዉን።
ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፤ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።
ንበደለኛታት ግና ኽፍኣት ክረኽቦም እዩ፤ ከም ግብሪ ኢዶም ከዓ ኽፍደዩ እዮም እሞ ወይለኦም!
እምበኣርከስ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፥ ናብ ሴሎ ኺዱ እሞ፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ።
እንሆ ኣብ ቤትካ ሽማግለ ምእንቲ ኸይርከብ፥ ቅልፅምካን ቅልፅም ቤት ኣቦኻን ዘጥፍአለን መዓልቲታት ክመፃ እየን።
ኣብ ኵሉ በረኸት እስራኤል፥ ንስኻ ኣብ መሕደሪየይ ፀላኢኻ ኽትርኢ ኢኻ፤ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ሽማግለ ኣይርከብን እዩ።
“እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ኣፍኒንን ፊንሓስን ዝመፅእ፥ ምልክት ክኾነካ እዩ፤ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኽሞቱ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ስድራ ኤሊ ኽገብሮ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽፍፅሞ እየ።
ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያንውን ስለ ዝሞቱ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ ብምባል፥ ነቲ ህፃን “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ።