10 ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። እቲ ውግእ ከዓ የመና በርትዐ እሞ፥ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ።
ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም፥ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ የመና ዓብዪ ዅምራ እምኒ ኾመሩሉ። ኵሎም እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።
ኣብኡ ኸዓ እቶም ህዝቢ እስራኤል ብሰራዊት ዳዊት ተስዓሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብርቱዕ ጥፍኣት ኮነ፤ ዕስራ ሽሕ ዝኣኽሉ ኸዓ ሞቱ።
ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። “እንሆ፥ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ንዅሉ ህዝቢ ነገርዎ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ናብ ቅድሚ ንጉስ መፀ። እስራኤል ግና፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሃዲሙ ነበረ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኣብኡ ኸዓ ሓደ ዓመፀኛ ሰብ፥ ሳቤዔ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፥ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸዓ “ንሕና ኣብ ዳዊት ብፅሒት የብልናን፤ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ኦ እስራኤል! ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ገዛኹም ተመለሱ” ኢሉ መለኸት ነፍሐ።
ሽዑ ዅሎም እስራኤል፥ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ፈለጡ፦ እቲ ህዝቢ ነቲ ንጉስ “ምስ ዳዊት እንታይ ኣለና? ኣብ ወዲ እሴይከ እንታይ ርስቲ ኣለና? ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ነናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ። ኣታ ዳዊት ሕዝስ ገዛኻ ሓሉ” ኢሎም እናጨደሩ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ተመለሱ።
ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ “እቲ ንጉስ ሞይቱ እዩሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ነናብ ሃገሩ ይመለስ” ዝብል ኣዋጅ ብሰፈር እስራኤላውያን ተሰምዐ።
ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ።
ኣብያን ህዝቡን ከዓ ዓቢዪ ውቅዒት ወቕዑዎም፤ ካብ እስራኤል ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰባት ተቐቲሎም ወደቑ።
ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ናብ ዓዶም ሃደሙ።
እቶም ቀስትን ፍላፃን ዝተዓጥቁ ደቂ ኤፍሬም፥ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመለሱ።
እምበኣርከስ ናብታ ቕድም ስመይ ዘሕደርኩላ ስፍራ፥ ናብ ሴሎ ኺዱ እሞ፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ህዝበይ እስራኤል ከመይ ከም ዝገበርክዋ ጠምቱ።
ኣነ ኽፀልአኩም እየ፤ ፀላእትኹም ድማ ኽስዕሩኹምን ክሰጕኹምን እዮም፤ ዝሰጐጐኩም ዘየለ ድማ ኽትሃድሙ ኢኹም።
“ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዚዝኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ንምፍፃም ድማ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ እዝ ዅሉ መርገም ክመፀኩም እዩ፤ ክረኸበኩምውን እዩ፦
“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኵሉ እስራኤል ንዝሰምዖ ነእዛኑ ዘስካሕክሕ ነገር ክገብር እየ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ በርትዐ ድማ፥ እስራኤል ብፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ኣብቲ ዝተሰለፉሉ በረኻ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እስራኤላውያን ሞቱ።