3 ዳዊትን ሰዓብቱን ናብ ፂቅላግ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ ብሓዊ ተቓፂላ፥ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ተማሪኾም ከይዶም ነበሩ።
ናይ ፃድቃን መከራ ብዙሕ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ኻብ ኵሉ የድሕኖም።
እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈትዎ እዩ ዝግስፅሞ፤ ነቲ ኸም ወዱ ዝተቐበሎውን ይቐፅዖ።”
እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።
ዳዊትን ሰቡን ሕድሕዶም መምስ ቤተ ሰቦም ኣብ ጌት ምስ ኣንኩስ ተቐመጡ። ዳዊትውን ምስ ክልቲአን ኣንስቱ፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባል ዝነበረትን ነበረ።
ነንስትን ኣብኣ ንዝፀንሑ ዅሎምን ካብ ኣናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፤ ግና ማሪኾም ደኣ መንገዶም ከዱ እምበር፥ ሓደ ዝቐተልዎ ሰብ እኳ ኣይነበረን።
ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ሓይሊ ኽሳዕ ዝስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ።