8 እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ንሳልሳይ ጊዜ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ሽዑ ኤሊ፥ ነቲ ቘልዓ እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዖ ኣስተውዓለ።
ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈልጦን ነበረ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይተገለፀሉን ነበረ።
ኤሊ ኸዓ “ኪድ ደኣ ደቅስ፤ እንተ ፀውዐካ ‘ኦ ጐይታ! ኣገልጋሊኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ’ በሎ” ኢሉ ነገሮ። ሳሙኤል ከዓ ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ።