7 ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈልጦን ነበረ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይተገለፀሉን ነበረ።
ዝምካሕስ፥ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ፅድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይመካሕ፤ ንኣይ ደስ ዘብሉ እዚኣቶም እዮምሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ምስ ኣመንኩምስ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ፥ “ኣይተቐበልናን፤ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎውን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ።
ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ኸም ቈልዓ እዛረብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓ እሓስብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓውን እመራመር ነበርኩ፤ ምስ ዓበኹ ግና፥ ነቲ ነገር ቍልዕነት ሓደግክዎ።
እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ፀውዖ፤ ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ወደይ፥ ኣነስ ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደቅስ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ንሳልሳይ ጊዜ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ሽዑ ኤሊ፥ ነቲ ቘልዓ እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዖ ኣስተውዓለ።