5 ጐይዩ ናብ ኤሊ ኸይዱ ድማ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። ሳሙኤል ከዓ ተመሊሱ ደቀሰ።
እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ።
እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ፀውዖ፤ ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ወደይ፥ ኣነስ ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደቅስ” በሎ።