Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 3:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 3:4
10 Referencias Cruzadas  

ድሕሪዙይ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ፈተኖ፦ “ኣብርሃም” ኢሉውን ፀውዖ። ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ” በለ።


መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ሰማይ “ኣብርሃም! ኣብርሃም!” እናበለ ፀውዖ። ኣብርሃምውን “እኒሀኹ” በለ።


ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእኸል ካህናቱ፥ ሳሙኤል ከዓ ኣብ ማእኸል እቶም ስሙ ዝፅውዑ እዮም፤ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ፀውዕዎ፤ ንሱውን መለሰሎም።


እግዚኣብሄር ድማ፥ ሙሴ ኽርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረአየ፥ ካብ ማእኸል እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ “ሙሴ! ሙሴ!” ኢሉ ፀውዖ። ሙሴ ኸዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ።


ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ።


ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።


እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሃዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሳልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደሓር ተኣምራት ዝገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም፥ ዝሕግዙ፥ ዘመሓድሩ፥ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ፥ ሰርዐ።


ጐይዩ ናብ ኤሊ ኸይዱ ድማ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። ሳሙኤል ከዓ ተመሊሱ ደቀሰ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos