Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 3:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 እቶም ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምፅኡ እናፈለጠ፥ ብዘይምኽልካሉ ስለ ዝበደለ፥ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርዳ ኣፍሊጠዮ እየ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 3:13
17 Referencias Cruzadas  

“እቲ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ኽፉእ ነገር ኣፀቢቕካ ትፈልጦ ኣለኻ። ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ክቐፅዐካ እዩ።


ኦ ኣምላኽና! ኣይትቐፅዖምን ዲኻ? ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዝ ዝመፀና ዘሎ ዓብዪ ሰራዊት ሓይሊ የብልናን፤ እንታይ ከም እንገብር ከዓ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ግና ኣዒንትና ናባኻ እየን።”


ገና ተስፋ እንተሎ ንወድኻ ቕፅዓዮ፤ ምሟቱውን ኣይትድለ።


በትርን ተግሳፅን ጥበብ ይህቡ፤ ዘይተቐፅዐ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ።


ስለዙይ “ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መንገድኹም ክፈርደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም መዐንቀፊ ኸይኾነኩምስ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ተመለሱ።


“ሕዚ መወዳእታ ኣባኺ መፀ፤ ቍጥዓይ ድማ ኽሰደልኪ፥ ከም መንገድኺ መጠን ክፈርደኪ፥ ኵሉ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ።


ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ክፈርድስ፥ ኣብኡ ክቕመጥ እየሞ፥ እቶም ኣህዛብ ይለዓሉ፥ ናብ ለሰ ዮሳፍጥውን ይውፅኡ።


እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱ ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።


ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ተዓብዩ ምስማዕ ዝኣብዮ ሰብ ይቀተል። ከምዙይ ጌርኩም ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ።


“ንሓደ ሰብ፥ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ቃል ኣቦኡን ቃል እኖኡን ዘይሰምዕ፥ እንተ ቐፅዕዎውን ዘይእዘዝ፥ ውሉድ እንተ ሃለዎ፥


ደቂ ኤሊ ግና ኽፉኣት ነበሩ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄርውን ኣይነበሮምን።


እቶም ደቂ ኤሊ በዝ ኸምዙይ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቕዎ ስለ ዝነበሩ፥ ሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ዓብዪ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos