12 በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ስድራ ኤሊ ኽገብሮ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽፍፅሞ እየ።
ስጋ ዝለበሱ ዅሎም ከዓ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ ኽፈልጡ እዮም፤ ኣይምለስን ድማ እዩ።”
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ ዝተናገሮ ዅሉ ፅቡቕ ነገር ከም ዝፍፀም ዝገበረ፥ ከምኡ ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ፅብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዘፍልሰኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘጠንቀቐኩም ክፉእ ነገር ከም ዝፍፀም ክገብር እዩ።
ንኢያቢስ ንጉስ ከነዓን ክሳዕ ዘጥፍእዎ፥ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢያቢስ ንጉስ ከነዓን እናበርትዐት ከደት።
ታቦት እግዚኣብሄር ተማረኸ፤ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኦፍኒን ፊንሓስን እውን ሞቱ።
እቲ ወረ ዘምፅአ ሰብኣይ ድማ “ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃዲሞም፤ ብዙሕ ሰብውን ተወዲኡ፤ ክልቲኦም ደቅኻ ኦፍኒን ፊንሓስን ከዓ ሞይቶም፤ ታቦት እግዚኣብሄርውን ተማሪኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝተማረኸ፥ ሓሙኣን ሰብኣያንውን ስለ ዝሞቱ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ ብምባል፥ ነቲ ህፃን “ኢካቦድ” ኢላ ሰመየቶ።
ንሳ ድማ “ታቦት እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፥ ክብሪ ኻብ እስራኤል ረሓቐ” በለት።