Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 3:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኵሉ እስራኤል ንዝሰምዖ ነእዛኑ ዘስካሕክሕ ነገር ክገብር እየ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 3:11
11 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንዝሰምዖ ዅሉ ዘስካሕክሕ፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምን ይሁዳን ክፉእ ነገር ከምፅእ እየ።


እንሆ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ዝረአዮ ኣብ ቅድሚኡ ይዋረድ።


ንግሆ ንግሆ፥ ለይትን መዓልትን ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ብዝሓለፈ ቝፅሪ ኽወስደኩም እዩ። ነዝ መልእኽቲ እዙይ ምስማዕ ራዕዲ ይኸውን።


ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።”


ከምዙይውን በል፦ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ንዝሰምዖ ዅሉ ኣእዛኑ ዘደምም መዓት ከውርድ እየ።


“ኣቱም እትንዕቑ ሓደ እንተ ተረኸልኩምኳ ዘይትኣምንዎ ስራሕ፥ ኣብ ዘመንኩም እሰርሕ ኣለኹሞ ረአዩ፤ ተመልከቱ፤ ተገረሙ።


በቲ ጊዜ እቱይ ሓይላት ሰማያት ክናወፁ እዮም፤ ኣብ ዓለም ክመፅእ ዘለዎ ብምፅባይን ብፍርሓትን ድማ፥ ሰባት ልቦም ክጠልሞም እዩ።


እግዚኣብሄር ድማ መፀ፤ ደው ኢሉ ኸዓ ኸምቲ ናይ ካልእ ጊዜያት “ሳሙኤል! ሳሙኤል!” ኢሉ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ፥ “ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ” በሎ።


ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። እቲ ውግእ ከዓ የመና በርትዐ እሞ፥ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos