10 እግዚኣብሄር ድማ መፀ፤ ደው ኢሉ ኸዓ ኸምቲ ናይ ካልእ ጊዜያት “ሳሙኤል! ሳሙኤል!” ኢሉ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ፥ “ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ” በሎ።
ንሱ ድማ “ኣይፋለይን፥ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይነ ሕዚ መፂአ ኣለኹ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ብገፁ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሞ፥ “ጐይታይ! ንኣይ ንባርያኻ እትብሎ እንታይ ኣሎ?” በሎ።
ሕዚ ኸዓ እቲ ዝመርሐኩም ንጉስ እንሆ፤ ኣነ ኣሪገ እየ፤ ደቀይ ከዓ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም ከድኩ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኵሉ እስራኤል ንዝሰምዖ ነእዛኑ ዘስካሕክሕ ነገር ክገብር እየ።
ሳሙኤል ድማ ኽሳዕ ዝወግሕ ደቀሰ፤ ብድሕሪኡ መዓፁ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። እቲ ራእይ ንኤሊ ኸይነግሮ ግና ፈርሐ።
እግዚኣብሄርውን መሊሱ ኣብ ሴሎ ተገልፀ፤ ብቓል እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ኣብ ሴሎ ይግለፅ ነበረ። ቃል ሳሙኤል ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል በፅሐ።
እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ንሳልሳይ ጊዜ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ሽዑ ኤሊ፥ ነቲ ቘልዓ እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዖ ኣስተውዓለ።
ኤሊ ኸዓ “ኪድ ደኣ ደቅስ፤ እንተ ፀውዐካ ‘ኦ ጐይታ! ኣገልጋሊኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ’ በሎ” ኢሉ ነገሮ። ሳሙኤል ከዓ ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ።