1 ህፃን ሳሙኤል ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በቲ ዘመን እቱይ ቃል እግዚኣብሄር ብርቂ ነበረ፤ ራእይውን ኣይግለፅን ነበረ።
ምልክታትና ኣይንርእን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ነቢይ የለን፤ ክሳዕ መኣዝ ከም ዝነብር ዝፈልጥ ኣባና የለን።
ራእይ እንተ ዘይሃልዩ፥ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፤ ሕጊ ዝሕሉ ግና ዝተመስገነ እዩ።
ነቶም ዝተረፉ ኻብ ፅሩይ ወርቂ፥ ካብቲ ወርቂ ኦፊር ድማ ዝኸበሩ ኽገብሮም እየ።
መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ክመፅእ፥ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ክኸውን እዩ፤ ካብ ነቢይ ራእይ ክደልዩ እዮም፤ ግናኸ፥ ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪውን ካብ ኣረጋውያን ክጠፍእ እዩ።
ድሕሪዙይ ሕልቃና ናብ ገዛኡ ናብ ኣርማቴም ከደ። እቲ ህፃን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
ሳሙኤል ግና ገና ብቘልዑኡ እንተሎ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
ኣነ ኸዓ ኸም ልበይን ከም ሓሳበይን ዝገብር እሙን ካህን ከተስእ እየ፤ ንእኡ ፅኑዕ ቤት ከቑመሉ እየ፤ ንሱውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቐባእክዎ ኸገልግል እዩ።
እቲ ኵሉ ኻብ ቤትካ ዝተረፈ ኸዓ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ቍራስ እንጀራን ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ኽሰግድ እዩ፤ ‘ቍራስ እንጀራ ምእንቲ ኽበልዕስ፥ በይዛኻ እንዶ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት መድበኒ’ እናበለ ድማ ኽልምኖ እዩ።”
ሳሙኤል ድማ ኽሳዕ ዝወግሕ ደቀሰ፤ ብድሕሪኡ መዓፁ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። እቲ ራእይ ንኤሊ ኸይነግሮ ግና ፈርሐ።
እግዚኣብሄርውን መሊሱ ኣብ ሴሎ ተገልፀ፤ ብቓል እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ኣብ ሴሎ ይግለፅ ነበረ። ቃል ሳሙኤል ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል በፅሐ።