Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 28:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 በቲ ጊዜቱይ ሳሙኤል ሞይቱ ነበረ፤ ኵሎም ደቂ እስራኤል ከዓ ኣልቂሶምሉ፥ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ኣርማቴም ቀቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ ንጠንቈልትን ፀዋዕቲ መናፍስትን ካብታ ምድሪ ኣጥፊእዎም ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 28:3
12 Referencias Cruzadas  

ኣቦኣ ‘ኣይህበካን እየ’ ኢሉ እንተ ኸልኦ ግና፥ ከም ገዝሚ ኣጓላት ገንዘብ ይኽፈል።


“ንጠንቋሊት ብህይወት ክትነብር ኣይትሕደጋ።


ናብቶም ፀዋዕቲ መናፍስትን ምውታንን ናብ ጠንቈልትን ኣይትኺዱ። ብኣኣቶም ከይትረኽሱውን ኣይትድለይዎም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።


ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ መንፈስ ምውታን ዝፅውዑ፥ ወይ ጠንቈልቲ እንተ ኾይኖም ብእምኒ ተቐጥቂጦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ።


ንፀዋዕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ምእንቲ ምስኣቶም ከመንዝር ዝስዕብ ሰብ፥ ብኣይ ፅሉእ ክኸውን እዩ፤ ካብ ህዝቡ ድማ ፈልየ ኸጥፍኦ እየ።


ዓመፅ፥ ከም ሓጢኣት ጥንቍልና፥ ህልኽ ከዓ፥ ከም ምምላኽ ጣዖትን ተራፊምን እዩ። ንስኻ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንጉስ ከይትኸውን ነዓቐካ”


ሳሙኤል ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣኪቦም በኸዩሉ፤ ኣብ ኣርማቴም ኣብ ገዛኡ ድማ ቐበርዎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ።


እታ ሰበይቲ ድማ “ሳኦል ዝገበሮ፥ ነቶም ጠንቈልትን ነቶም መናፍስቲ ዝፅውዑን ካብዛ ምድሪ ኸም ዘጥፍኦም፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለ ምንታይከ ኽተቕትለኒ ኢልካ ንነፍሰይ መፃወድያ ትገብረለይ?” በለቶ።


ቤቱ ኣብ ኣርማቴም ስለ ዝነበረት፥ ናብኣ ይምለስ ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos