1 በቲ ጊዜ እቱይ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣንኩስውን ንዳዊት “ንስኻን ሰብካን ምሳይ ተሰሊፍኩም ከም እትዋግኡ ብርግፅ ፍለጥ” በሎ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛ፥ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኾይኖም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት ኣዌን ዘላ ማክማስ ሰፈሩ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ኽዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሰኮት ናይ ይሁዳ ተኣከቡ፤ ኣብ ኣርፌስደሚም ኣብ መንጎ ሰኮትን ዓዜቃን ከዓ ሰፈሩ።
ኣንኩስ ንዳዊት “ብህዝቡ፥ ህዝቢ እስራኤል፥ የመና ተፀሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ኣገልጋሊየይ ክኾነኒ እዩ” ኢሉ ኣመኖ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፤ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወደቑ።
ፍልስጥኤማውያን ከዓ ደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ኸም ዝተኣከቡ ምስ ሰምዑ፥ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ክዋግእዎም ደየቡ። ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ንፍልስጥኤማውያን ፈርሕዎም።