7 ዳዊት ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ተቐመጠ።
ዳዊትን ሰባቱን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሱር እትወስድ ክሳዕ ምድሪ ግብፂ ዘላ ሃገር ይቕመጡ ነበሩ።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንኣንኩስ “እዞም ዕብራውያን እዚኣቶም ኣብዙይ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” በሉ። ኣንኩስ ድማ ንነገስታት ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ሓሽከር ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኮነን? ካብ ዓመት ዝበዝሕ ምሳይ ተቐሚጡ እዩ። ካብታ ናባይ ዝተፀግዐላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኣበር ኣይረኸብኩሉን” በሎም።