Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 27:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ኣንኩስ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኸተማ ፂቅላግ ሃቦ። ስለዙይ ፂቅላግ ካብኡ ንደሓር ናይ ነገስታት ይሁዳ ኾነት።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 27:6
12 Referencias Cruzadas  

ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመለሰ። ኣብ ፂቅላግ ከዓ ኽልተ መዓልቲ ገበረ።


ዳዊት ገና ኻብ ገፅ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓቢኡ ኣብ ፂቅላግ ክነብር እንተሎ፥ እቶም ኣብ ውግእ ዝሓገዝዎ ጀጋኑ ናብኡ መፁ።


ናብ ፂቅላግ ክምለስ እንተሎ ድማ ኻብ ነገድ ምናሴ ናብኡ ዝሓለፉ እዚኣቶም እዮም፦ ዓድና፥ ዮዛባት፥ ይዲኤል፥ ሚካኤል፥ ዮዛባድ፥ ኤሊሁ፥ ፂልታይ እዮም። እዚኣቶም ናይ ነገድ ምናሴ ኣሕሉቕ ሽሕ ነበሩ።


ኣብ ቤቱኤል፥ ኣብ ሖርማ፥ ኣብ ፂቅላግ፥


ኣብ ፂቅላግን ኣብ ምኮናን ኣብ ከባቢኣን፥


ፂቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፥


ፂቅላግን ቤትማርካቦትን ሓፀርሱሳን፥


ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “ስለ ምንታይ ኣነ ሓሽከርካ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዝቕመጥ? ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኸተማታት ክቕመጥ ቦታ ሃበኒ” በሎ።


እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ግና ዀረዩሉ፤ ከምዙይ እውን በልዎ፦ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ናብታ ኽቕመጣ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ምለሶ። ኣብ ውግእ ተፃራሪ ምእንቲ ኸይኾነናስ ናብ ውግእ ኣይውረድ። ንሱ ምስ ጐይታኡ ምእንቲ ኽዕረቕ፥ ርእሲ ሓሻኽርና ብምቝራፅ እንተ ዘይኮይኑ ንጐይታኡ ብምንታይ ከሐጕሶ ይኽእል?


ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ፂቅላግ መፁ። እንሆ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንፂቅላግን ድማ ሓደጋ ኣውዲቖምለን ነበሩ። ንፂቅላግ ከዓ ዘሚቶም ብሓዊ ኣቃፂሎምዋ ነበሩ።


ንሕና ንደቡብ ከሬጣውያንን ንምድሪ ይሁዳን ንደቡብ ካሌብን ሓደጋ ኣውደቕናለን፤ ንፂቅላግ ኸዓ ብሓዊ ኣቃፀልናያ” በለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos