4 ሳኦል ድማ፥ ዳዊት ናብ ጌት ከም ዝሃደመ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ኣይደለዮን።
ኵሎም ሓሻኽሩ ኸዓ ብቕድሚኡ ሓለፉ። እቶም ንንጉስ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ኵሎም እቶም ካብ ጌት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ጌታውያንን ቀቅድሚኡ ሓለፉ።
ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።
ዳዊትን ሰቡን ሕድሕዶም መምስ ቤተ ሰቦም ኣብ ጌት ምስ ኣንኩስ ተቐመጡ። ዳዊትውን ምስ ክልቲአን ኣንስቱ፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባል ዝነበረትን ነበረ።
ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “ስለ ምንታይ ኣነ ሓሽከርካ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዝቕመጥ? ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኸተማታት ክቕመጥ ቦታ ሃበኒ” በሎ።