3 ዳዊትን ሰቡን ሕድሕዶም መምስ ቤተ ሰቦም ኣብ ጌት ምስ ኣንኩስ ተቐመጡ። ዳዊትውን ምስ ክልቲአን ኣንስቱ፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባል ዝነበረትን ነበረ።
ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ ኣደየቦም፤ ኣብ ኬብሮንን ከተማታታን ከዓ ተቐመጡ።
ስሙ ናባል፥ ስም ሰበይቱ ኸዓ ኣቢግያ ነበረ። ሰበይቱ የመና መስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት። ንሱ ግና ጨካን፥ ግብሩ ድማ ኽፉእ ነበረ፤ ካብ ዓሌት ካሌብውን ነበረ።
ሳኦል ድማ፥ ዳዊት ናብ ጌት ከም ዝሃደመ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ኣይደለዮን።
ዳዊትን ሰዓብቱን ናብ ፂቅላግ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ ብሓዊ ተቓፂላ፥ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ተማሪኾም ከይዶም ነበሩ።
ክልቲአን ኣንስቲ ዳዊት፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን ከዓ ተማሪኸን ነበራ።