10 ኣንኩስ “ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም?” በሎ፤ ዳዊት ከዓ “ኣብ ደቡብ ይሁዳ፥ ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ደቡብ ቄናውያን” በለ።
“ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ?” ድማ ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት፥ መፂኦም ነታ ሰበይቲ “ኣኪማኣስን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ?” በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ “ከይዶም ሩባ ተሳጊሮም” በለቶም። ንሳቶም ከዓ ደለይዎም፤ ምስ ሰኣንዎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
ደቂ ይረሕምኤል፥ በዅሪ ወዱ ንኤስሮም፦ በዅሪ ራም፥ ቡናህ፥ ኦሬን፥ ኣፄም፥ ኣኪያ።
እቶም ንሔፅሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ኸዓ ይረሕምኤልን ኣራምን ካልብን እዮም።
ንዓመፃ ፀላእኹ፤ ተፀየፍኩውን፤ ንሕግኻ ግና ኣፍቅሮ ኣለኹ።
መንገዲ ዓመፅ ካባይ ኣርሕቕ፤ ሕግኻውን መሃረኒ።
ንሰብ ምፍራሕ፥ ኣብ መፃወድያ የእቱ፤ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።
ናብ ቄናውያን እናረአየ ኸዓ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እትነብሩሉ ፅኑዕ እዩ፤ ገዛኻትኩም ከዓ ኣብ ኰዅሒ ተሰሪሑ ኣሎ።
እምበኣር ኵልና፥ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝኾንና፥ ነፍሲ ወከፍ ሓሰት ምዝራብ ገዲፉ፥ ምስ ብፃዩ ሓቂ ይዛረብ።
እቶም ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብታ ተምሪ ዘለዋ ኸተማ ተልዒሎም ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ ምድረ በዳ ይሁዳ ደየቡ። ኣብኡ ኸዓ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ።
ሔቤር እቲ ቄናዊ ግና ኻብቶም ቄናውያን፥ ደቂ ኦባብ ሓሙ ሙሴ ተፈልዩ፤ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፥ ኣብ ፃዕናይም ክሳዕ ዘሎ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ኦም ድንኳኑ ተኸለ።
ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፤ ኣብ ውሽጢ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።
ሳኦል ድማ ንቄናውያን “ንስኻትኩም ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ምሕረት ጌርኩምሎም ኢኹም እሞ፥ ምስኣቶም ከየጥፍአኩምስ ኪዱ፤ ካብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውፁ” በሎም። ቄናውያን ከዓ ኻብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈለዩ።
ዳዊት ድማ ንኻህን ኣቢሜሌክ፥ “ንጉስ፥ ‘እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዘዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ’ ኢሉ ስለ ዝኣዘዘኒ፥ እቶም ኣጓብዝ ኣብ ሓደ ቦታ ኽቕበሉኒ ኣመልኪተዮም ኣለኹ።
ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መፂኡ “ነዛ ሃገር፥ ፍልስጥኤማውያን ይወርዋ ኣለዉ እሞ፥ ቀልጢፍካ ነዓ” በሎ።
ዳዊት “ኵልሻዕ ልማዱ ኸምዙይ ነበረ” ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፥ ንሰብኣይ ኮነ ንሰበይቲ ይቐትሎም ነበረ እምበር ናብ ጌት ኣየምፅኦምን ነበረ። ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዝተቐመጠሉ ጊዜያት ከምዙይ ይገብር ነበረ።
ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “እንታይ እሞ ገይረ እየ? ኸይደ ምስ ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘየዋግእስ፥ ካብታ ኣብ ቅድሜኻ ዝኾንኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሓሽከርካ እንታይ ረኺብካለይ ኢኻ?” በሎ።
ኣብ ራካል፥ ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ከተማታት ቄናውያን፥