Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 27:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ዳዊት ብልቡ “ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፤ ስለዙይ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ምህዳም ይሕሸኒ፤ ሽዑ ሳኦል ኣብ ኵሉ ምድሪ እስራኤል ንዓይ ምድላይ ክሓድግ እዩ፤ ኣነውን ካብ ኢዱ ኽድሕን እየ” ኢሉ ሓሰበ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 27:1
29 Referencias Cruzadas  

ኢዮርብዓም ድማ ብልቡ “ሕዚ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ክስውኡ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ደየቡ፥ ልቦም ናብ ጐይታኦም ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኽምለስ እዩ፤ ንኣይ ክቐትሉኒ እዮም፥ እዛ መንግስቲ ድማ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ” ኢሉ ሓሰበ።


እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ “ኦ እስራኤል! ናብ ኢየሩሳሌም ምድያብ ይበዝሐኩም ኣሎ፤ እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኹም ኣማልኽትኹም ረአዩ እኒሀዉልኩም” በሎም።


ኤልያስ ከዓ ፈሪሑ ተልዓለ፤ ህይወቱ ንኸድሕንውን ሃዲሙ ኸደ፤ ናብ ቤርሳቤህ ናይ ይሁዳ ድማ መፀ፤ ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ ኣብኣ ሓደጎ።


ሽዑ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ምኽሪ ምስ መኸረ፥ ናብ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል፥ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ወዲ ኢዩ፦ “ነዓ ገፅ ንገፅ ንርአአ” ኢሉ ለኣኸሉ።


ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ በልኩ።


እቲ ኣብ ግብፂ እንተለና ዝበልናካኸ እዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን? ኣብ ምድረ በዳ ኻብ እንመውትስ፥ ንግብፃውያን ክነገልግል ምሐሸና፤ ንግብፃውያን ንገዝኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናካን?” በልዎ።


ዝደንጐየ ተስፋ ንልቢ የሕዝኖ፤ ዝተፈፀመ ትምኒት ግና ኦም ህይወት እዩ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም፤ ነዝ መዋቲ ሰብ፥ ነዝ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ?


ንሕና ኣብ ውግእ ክንመውት፥ ኣንስትናን ደቅናን ከዓ ኽማረኹ፥ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና! ናብ ግብፂ እንተንምለስዶ ኣይምሕሸናን?”


ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ “ኣታ እምነት ዝጐደለካ፥ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ?” በሎ።


ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ትፈርሑ? ክሳዕ ክንድዙይዶ እምነት የብልኩምን?” በሎም።


ኣብ መቄዶንያ ምስ በፃሕና ድማ፥ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፥ ብስጋና ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሓት ነበረና።


እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ እንተለኹስ፥ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ? ናብ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም ክልእኸካ፥ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝኾነኒ ሪአ ኣለኹ እሞ ቐርንኻ ዘይቲ መሊእኻ ኺድ” በሎ።


ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነዘው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደረ። ሳሙኤል ከዓ ተሲኡ ናብ ኣርማቴም ከደ።


ዳዊት ግና መሊሱ “ኣቦኻ፥ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ኣፀቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዙይ ከዓ፥ ‘ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዙይ ኣይፍለጥ’ ኢሉ ሓሲቡ ኣሎ። ግና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን፥ ስጕምቲ ጥራሕ ተሪፉ ኸምዘሎ፥ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለ።


ነቢይ ጋድ ድማ ንዳዊት “ኣብዝ እምባዙይ ኣይትቀመጥ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሔሬት መፀ።


ኣስዒቡ ኸዓ “ኣቦይ ክጐድአካ ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ኻልኣይካ ክኸውን እየ፤ ነዙይ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ” በሎ።


እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ፅቡቕ ዘተስፈወካ ምስ ገበረ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ንጉስ ክትከውን ምስ ሸመካ፥


እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ።


እቶም ነገስታት ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኮይኖም ይጕዓዙ ነበሩ፤ ዳዊትን ሰባቱን ከዓ ደጀን ኮይኖም ደድሕሪ ኣንኩስ ይጕዓዙ ነበሩ።


ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንኣንኩስ “እዞም ዕብራውያን እዚኣቶም ኣብዙይ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” በሉ። ኣንኩስ ድማ ንነገስታት ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ሓሽከር ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኮነን? ካብ ዓመት ዝበዝሕ ምሳይ ተቐሚጡ እዩ። ካብታ ናባይ ዝተፀግዐላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኣበር ኣይረኸብኩሉን” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos