9 ዳዊት ግና ንኣቢሳይ “እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ቐቲሉ በደል ዘይኮኖ የለን እሞ፥ ሕደግ ኣይትቕተሎ” በሎ።
ዳዊት ድማ “ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኽትቀትል፥ ኢድካ እንትትዝርግሕ ከመይ ዘይፈራሕኻ?” በሎ።
“ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኣነ ቐቲለዮ’ ኢልካ ባዕልኻ ስለ ዝመስከርካ፥ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” ድማ በሎ።
ዳዊት ድማ “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ስለ ምንታይ ትፃረሩኒ? ምሳኻትኩምከ እንታይ ኣለኒ? ሎሚ ኣብ እስራኤል ኣነ እየ ንጉስ፤ ሎሚ ኸዓ ኣብ እስራኤል ሰብ ብሞት ኣይቕፃዕን እዩ?” በሎም።
ኣፈይ ስራሕ ሰብ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ፤ ስለ ቓል ከናፍርካ ጭንቂ ዝኾኑ መንገድታት ሓለኹ።
መሓረኒ፤ ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ነፍሰይ ኣባኻ ተኣሚና ኣላሞ፥ መሃረኒ፤ እቲ መዓት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ተኣሚነ ኣለኹ።
ኣብ ኢደይውን ዓመፅ እንተ ተረኺቡ፥ ክፉእ ንዝገበሩኒ፥ ክፉእ መሊሰሎም እንተ ኾይነ፥ ንፀላእየይውን ብኸንቱ ገፊዐ እንተ ኾይነ፥
ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ እሞ ሰዓሞ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ርስቱ ሓለቓ ኽትከውን እግዚኣብሄር ቀቢኡካ ኣሎ፤ ንህዝቢ እግዚኣብሄርውን ክትገዝእ ኢኻ፤ ኣብ ዙርያኦም ካብ ዘለዉ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ክተድሕኖም ኢኻ።
ሕዚ እውን እኒሀኹ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝቐብኦን መስክሩለይ፤ ናይ መን ብዕራይ ወሰድኩ? ናይ መን ኣድጊኸ ወሰድኩ? ንመንከ ኣታለልኩ? ንመን ግፍዒ ገበርኩ? ኣዒንተይ ንምዕዋርከ ኻብ መን ጉቦ ተቐበልኩ? ኣነውን ክመልሰሉ እየ።”
ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት “ሎሚ ኣምላኽካ ንፀላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ፤ በይዛኻ እንተየዳገምኩ ብሓንቲ ውርወራ ዂናት ምስ ምድሪ ኸጣብቖ ሕደገኒ” በሎ።