8 ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት “ሎሚ ኣምላኽካ ንፀላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ፤ በይዛኻ እንተየዳገምኩ ብሓንቲ ውርወራ ዂናት ምስ ምድሪ ኸጣብቖ ሕደገኒ” በሎ።
ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ንንጉስ፥ “እዝ ምዉት ከልቢ እዙይ ስለ ምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዝፀርፎ ዘሎ? ኸይደ ርእሱ ኽቘርፆ፥ በይዛኻ ፍቐደለይ” በሎ።
ኣብ ኢድ ፀላኢየይ ኣይዓፀኻንን፤ ነእጋረይ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ኣቖምካየን።
ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ንጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ “እቶም ኣባኻ ዝተኣከቡ ኣይሁድ ፋሕ ክብሉ፥ እቶም ተረፍ ይሁዳ ድማ ኽጠፍኡስ፥ ስለ ምንታይ እስማኤል ወዲ ናታንያ ንኣኻ ዝቐትለካ? ሓደ እኳ እንተይፈለጠ ኸይደ ኽቐትሎ ፍቐደለይ” ኢሉ ብሕቡእ ተዛረቦ።
ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እትሓስብዎ እንታይ እዩ? ንሱ ፈፂሙ ኸጥፍእ እዩ፤ መከራውን መሊሱ ኣይለዓልን።
እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ።
ኣምላኾም እንተ ዘይሸጦም፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምስ ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደ ንሽሕ ይሰጎም? እቶም ክልተኸ ንዓሰርተ ሽሕ ከመይ ገይሮም የህድምዎም?
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም፥ ብዅሉ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም። እግዚኣብሄር ንዅሎም ፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦም ካብ ኵሎም ፀላእቶም ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚኣቶም ደው ክብል ኣይከኣለን።
ደቂ ይሁዳ ድማ ደዪቦም ተዋግኡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ካብኣቶም ድማ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ።
ዳዊት ድማ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ተቐመጠ፤ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ዘሎ ኾረብታውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከዓ ዅሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፤ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ኣይሃቦን።
ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ።
ድሕሪዙይ ግና፥ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረፀ፥ ንዳዊት ልቡ ወቐሶ።
ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፤ ኣነ ግና ‘እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከም ፅድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ’ ኢለ ኣብ ልዕሊ እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢደይ ከልዕል ኣይፈተኹን።
ዳዊትን ኣቢሳይን ከዓ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መፁ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ለጥ ኢሉ ደቂሱ፥ ዂናቱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ፥ ነበረ። ኣበኔርን እቶም ሓሻኽሩን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።
ዳዊት ግና ንኣቢሳይ “እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ቐቲሉ በደል ዘይኮኖ የለን እሞ፥ ሕደግ ኣይትቕተሎ” በሎ።