5 ዳዊት ከዓ ተሲኡ፥ ናብታ ሳኦል ሰፊርዋ ዝነበረ ቦታ መፀ። ሳኦልን ኣበኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዝድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ኸዓ ረአየ። ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ደቀሰ፤ እቶም ሓሻኽሩ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ።
ኣበኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኢዮኣብ ንበይኑ ኽዛረቦ ኸም ዝደሊ ኣምሲሉ ናብ ኣፍ ደገ ወሰዶ። ኣብኡ ድማ ሕነ ደም ሓዉ ኣሳሄል፥ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።
ኔር ንቂስ ወለደ፤ ቂስ ንሳኦል ወለደ፤ ሳኦል ከዓ ንዮናታንን ንማልኪሳን ንኣሚናዳብን ንኣስባዓልን ወለደ።
ንፅባሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተስአ፤ ነተን ኣባጊዕ ምስ ሓላዊ ሓዲግወን፥ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፥ ፆሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኽስለፍ ዝወፀ ሰራዊት ንውግእ ክፍክር እንተሎ ድማ፥ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መፀ።
ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኽገጥሞ እንትወፅእ ምስ ረአዮ፥ ንኣበኔር ሓለቓ ሰራዊት፥ “ኣበኔር፥ እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን እዩ?” በሎ። ኣበኔር ከዓ “ኦ ንጉስ! ከም ዘይፈልጦ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
ዳዊት ሰለልቲ ሰዲዱ፥ ሳኦል ብርግፅ ከም ዝመፀ ፈለጠ።
ካብ ነገድ ብንያም ቂስ ዝበሃል ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ ኣቢኤል፥ ወዲ ፀሮር፥ ወዲ ብኮራት፥ ወዲ ብንያማዊ ኣፌቅ ፅኑዕ ሓያል ሰብ ነበረ።