25 ሽዑ ሳኦል ንዳዊት “ኣታ ወደይ ዳዊት፥ ቡሩኽ ኩን። ዓበይቲ ነገራት ክትገብር ኢኻ፤ ብርግፅውን ክሰልጠካ እዩ” በሎ። ድሕሪዙይ ዳዊት መንገዱ ኸደ፤ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።
ንሱ ድማ “ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሰኒፍካ ኢኻ እሞ፥ ደጊም እስራኤል ደኣ እምበር ያእቆብ ተብሂልካ ኣይትፅዋዕን ኢኻ” በሎ።
ብልዙብ ቃል እንተ ተዛረበካ ኣይትእመኖ፤ ኣብ ልቡ ሸውዓተ ርኽሰት ኣለዎሞ።
ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥ ክኸሽፍ እዩ፤ ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥ ክትረትዒ ኢኺ። እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ በኽዩ ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳና ተነጋገረ።
ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ፥ ጥሜት ድዩ፥ ዕርቃን ድዩ፥ ፍርሓት ድዩ፥ ወይ ሰይፊ? “ምእንታኻ በብመዓልቱ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕውን ተቘፀርና” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።
እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና።
ሰብ ንፀላኢኡ ረኺቡ፥ ብፅቡቕ መንገዲ ሰንዩ ዝሰድድ መን እዩ? ስለ እዝ ሎሚ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ይፍደኻ።
ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ንስኻ ብርግፅ ከም እትነግስ፥ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ብዘመንካ ኸም እትፀንዕ እፈልጥ እየ።
ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ። ሽዑ ሳኦል ናብ ቤቱ ተመለሰ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ናብ እምባ ደየቡ።