22 ዳዊት ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዂናት ንጉስ ኣብ ኢደይ እኒሆ፤ ካብቶም ኣጓብዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ።
ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።
ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፤ ኣነ ግና ‘እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከም ፅድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ’ ኢለ ኣብ ልዕሊ እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢደይ ከልዕል ኣይፈተኹን።