21 ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።
እቲ ንጉስ ድማ መሊሱ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸዓ ናብ ኤልያስ ከደ፤ መፂኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ተምበርኪኹ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነፍሰይን ነፍሲ እዞም ሓምሳ ኣገልገልትኻን ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን።
እንሆ፥ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ኣሕሉቕ ሓምሳ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኣቃፀሎም። ሕዚ ግና ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ዝኸበረት ትኹን” ኢሉ ለመኖ።
ሞት ፃድቕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡር እዩ።
ንዘለኣለም ክነብር፥ ንጥፍኣትውን ከይርኢ፥ ቤዛ ነፍሳቶም ክቡር እዩሞ፥ ንዘለኣለምውን ተሪፉ እዩሞ።
ንነፍሶምውን ካብ ጥቕዓትን ካብ ግፍዕን የድሕን፤ ስሙውን ኣብ ቅድሚኣቶም ክቡር እዩ።
ፈርዖን ከዓ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ፀውዖም። “ኣነ በዲለ እየ፤ እግዚኣብሄር ግና ፃድቕ እዩ፤ ኣነን ህዝበይንውን ሓጢኣተኛታት ኢና።
በለዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እወ፥ በዲለ፤ ክትቃወመኒ ኢልካ ኣብ መንገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን። ሕዚ ኸዓ ዘጕህየካ እንተ ኾይኑስ ኽምለስ” በሎ።
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ብዘይምሕላውካ ዓሺኻ። ትእዛዙ ሓሊኻ እንተ እትኸውን፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መፅንዐልካ ነይሩ።
ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ።
ሳኦል ድማ “በዲለ እየ። ሕዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድስ ምሳይ ተመለስ” በሎ።
ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽዋግኡ በብጊዜኡ ይወፁ ነበሩ። በብዝወፁላ ድማ ኻብ ኵሎም ሓሻኽር ሳኦል፥ ዳዊት ብምስትውዓል ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ስሙ የመና ገነነ።
ንዳዊት ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻ ፅቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፥ ካባይ ብዝበለፀ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ።
ዳዊት ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዂናት ንጉስ ኣብ ኢደይ እኒሆ፤ ካብቶም ኣጓብዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ።
እንሆ ድማ ኸምቲ ሎሚ መዓልቲ ኣነ ዝራህራህኹልካ እግዚኣብሄር ይራህርሀለይ፤ ካብ ኵሉ መከራውን የድሕነኒ” በለ።
ሳኦል ድማ፥ ዳዊት ናብ ጌት ከም ዝሃደመ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ኣይደለዮን።