18 ኣስዒቡውን “እንታይ ገይረ እየ? ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፉእ ተረኺቡኒ እዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ኢኻ፥ ጐይታይ፥ ንሓሽከርካ እተሳጕጐኒ ዘለኻ?
ገዛእቲ ብኸንቱ ኣሳጐጕኒ፤ ካብ ቓልካ ዝተልዓለ ግና ልበይ ደንገፀኒ።
ብኸንቱ ኸጥፍኡኒ መፈንጠሮም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ እዮም እሞ፥ ንነፍሰይውን ብኸንቱ ኣበሳጭዮምዋ እዮም እሞ።
እቶም ብኸንቱ ዝፀልኡኒ ካብ ፀጕሪ ርእሰይ በዝሑ፤ ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ፀላእተይ በርትዑ፤ ዘይወሰድክዎ ኽምልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።
መሊሱ ድማ ንንጉስ ሴዴቅያስ “ንኣኻን ነሕሉቕካን ነዝ ህዝቢ እዙይን እንታይ በዲለ እየ? ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምኒ?
ኢየሱስ ድማ “ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም፥ ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም?” በሎም።
ኢየሱስ ድማ “ክፉእ እንተ ተዛሪበ፥ ክፉእ ምዃኑ መስክር፤ ፅቡቕ እንተ ተዛሪበ ግና፥ ንምንታይ ትወቕዐኒ?” በሎ።
ካባኻትኩም፥ ብዛዕባ ሓጢኣት ክወቕሰኒ ዝኽእልከ መን ኣሎ? ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለ ምንታይ ዘይትኣምኑኒ?
ዳዊት ድማ “እንታይዶ እሞ ገይረ እየ? እዙይ ዓብዪ ነገርዶ ኣይኮነን እዩ?” በለ።
ሽዑ ዳዊት ካብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ሃዲሙ ናብ ዮናታን መፀ። “ኣቦኻ ኸምዙይ ገይሩ ኽቐትለኒ ዝደሊ ዘሎስ፥ እንታይ ገይረ እየ? በደለይከ እንታይ እዩ? ሓጢኣተይከ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
ዳዊት ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም ‘እንሆ፥ ዳዊት ክቐትለካ እዩ ዝደሊ’ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ?