Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 26:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 እዝ ዝገበርካዮ ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንጐይታኹም ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ስለ ዘይሓለኹምዎ፥ ንስኻትኩም ሞት ከም ዝግብአኩም ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። እስኪ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ረአ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 26:16
11 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ዳዊት የመና ተቘጥዐ፤ ንናታን ከዓ “ብህያው እግዚኣብሄር! እቲ እዙይ ዝገበረ ሰብ ወዲ ሞት እዩ።


ኵላ ቤት ኣቦይ ብዘይ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፤ ንስኻ ግና ጐይታይ ንጉስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣለኒ? ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ?” በለ።


ንጉስ ከዓ ንኻህን ኣብያታር “ንስኻ ሞት ዝግብአካ ሰብ ኢኻ፤ ግና ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዘመን ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝፆርካ፥ ኣብ ኵሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፥ ሎሚ ኣይቀትለካን እየ፤ ግና ናብ ግራውትኻ፥ ናብ ኣናቶት ኪድ” በሎ።


ንብኽያት እሱራት ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ ምእንቲ ኸድሕኖምውን እዩ።”


ገዓር እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻ ኣድሕኖም።


ንሕናውን ቀደም ኵልና ኸምኣቶም፥ ትምኒት ስጋና እናፈፀምና፥ ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና።


ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ ንስኻ ኾነ መንግስትኻ ኣይትፀንዕን እያ። ሕዚ ኸዓ ንሱ ወዲ ሞት እዩእሞ ልኢኽካ ኣምፅአለይ” በሎ።


ንሰዓብቱ ድማ “ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ክቐትል ኢለ፥ ኢደይ ካብ ምልዓል እግዚኣብሄር ይሰውረኒ” በሎም።


እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ኻብ ምቕታልስ እግዚኣብሄር ይሰውረኒ። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንዓናይ ንኺድ” በሎ።


ዳዊት ከዓ ንኣበኔር “ንስኻ ሰብኣይዶ ኣይኮንካን? ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ክቐትሎ መፂኡ ነይሩ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓለኻዮ?


ዳዊት ግና ንኣቢሳይ “እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ቐቲሉ በደል ዘይኮኖ የለን እሞ፥ ሕደግ ኣይትቕተሎ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos