Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 26:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ዳዊት ከዓ ነቲ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰዶ። ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፥ ሓደ እኳ ዝረአየ፥ ወይ ዝፈለጠ፥ ወይ ዝነቕሐ ኣይነበረን።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 26:12
7 Referencias Cruzadas  

ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወሰዶ፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀን ግብ ዝበለ ፀልማትን ወደቖ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣምፅአሉ፤ ደቀሰውን፤ ካብ ጐኑ ሓደ ዓፅሚ ወሲዱ ድማ፥ ነታ ስፍራኣ ብስጋ መልኣ።


እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ስኢኑ ሓደረ፤ ነቲ ናይ መንግስቱ መፅሓፍ ዜና መዋእል ከምፅኡሉ ኸዓ ኣዘዘ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ተነበበ።


እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑልኩም እዩ እሞ፥ ነዒንትኹም ደፈነ፤ ንነቢያትን ንመራሕትኹምን ንሰብ ራእይን ከዓ ኣዐመቶም።


ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ።


ዳዊት ድማ ናብ ማዕዶ ሓሊፉ፥ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ዀረብታ ደው በለ፤ ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ገፊሕ ቦታ ነበረ።


ዳዊትን ኣቢሳይን ከዓ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መፁ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ለጥ ኢሉ ደቂሱ፥ ዂናቱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ፥ ነበረ። ኣበኔርን እቶም ሓሻኽሩን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos