10 ዳዊት ድማ “ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ወይ እግዚኣብሄር ክቐትሎ እዩ፤ ወይ መዓልቱ በፂሓ ኽመውት እዩ፤ ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ኽጠፍእ እዩ።
ክመውት ምስ ቀረበ ንወዱ ዮሴፍ ፀዊዑ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፤ ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ክፈልጥ ቃል እተወለይ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣይትቕበረኒ።
ብሓቂ ሰብ ምስ ሞተ፥ ተመሊሱዶ ህያው ይኸውን እዩ? ዘመን ምሕዳሰይ ክሳዕ ዘመፅእ፥ ኵሉ ዘመን ሰልፈይ ብትዕግስቲ ምተፀበኹ ነይረ።
ዕድመ ሰብ ውሱን እዩ፤ ቍፅሪ ኣዋርሑውን ኣባኻ እዩ፤ ክሓልፋ ዘይኽእል ደረትውን ወሰንካሉ።
“ህይወት ሰብ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ሰልፊዶ ኣይኮነን? መዓልትታቱኸ ኸምቲ በዓል ውዕለትዶ ኣይኮነን?
ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽፉእ ሰብ ኣይህሉን፤ ትደልዮ፤ ቦታኡውን ኣይትረኽቦን።
እግዚኣብሄር ግና፥ ይስሕቖ፤ መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ።
ከም በደሎምን ከም ክፍኣቶምን ፍዳኦም ክኸፍሎም እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ፈፂሙ ኸጥፍኦም እዩ።
ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፤ ንሙማትውን ጊዜ ኣለዎ፤ ንምትካል ጊዜ ኣለዎ፤ ንዝተተኽለ ንምንቃልውን ጊዜ ኣለዎ።
እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም?
ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያሞ፥ ንኢያሱ ናባኻ ፀውዓዮ፤ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸዓ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቁሙ” በሎ። ሙሴን ኢያሱን ድማ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቆሙ።
ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤ እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤ መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤ ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
ንሕና ነቲ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፤ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ” ደጊሙ ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርዶ እዩ” ዝበለ፥ ንፈልጦ ኢናሞ።
ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥
ስለዙይ እቲ ዝፈርዳ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓያል እዩ እሞ፥ እቲ መዓታ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ኽወርዳ እዩ፤ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን ክመፃ እዩ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመፃ እዩ፤ ብሓዊውን ክትቃፀል እያ።
እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ እግዚኣብሄርውን ንኣኻ ይበቀለለይ፤ ኢደይ ግና ኣብ ልዕሌኻ ኣይትኸውንን።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ዳኛ ኾይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፤ ሪኡውን ይማጐተለይ፤ ካብ ኢድካውን የድሕነኒ።”
“ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ! እግዚኣብሄር ህያው እዩ! ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ። ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዝኸልከለካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕዚ ድማ ፀላእትኻን እቶም ንኣኻ ንጐይታይ ክፉእ ዝደልዩልካን ከም ናባል ይኹኑ።
ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኸዓ እግዚኣብሄር ቀሰፎ እሞ ሞተ።
ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዐ፥ “እቲ ኻብ ናባል ዝበፅሐኒ ውርደት ዝፈረደለይ፥ ንኣይ ንባርያኡውን ክፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን። ናባል ክፍኣት ስለ ዝገበረ እግዚኣብሄር ቀሰፎ” በለ። ዳዊት ድማ ንኣቢግያ ሰበይቱ ኽትኮኖ ኸም ዝደሊ ለኣኸላ።
ሳኦል ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝፀውር፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ወጊኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ብእኡ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ግና እምብዛ ፈሪሑ ነበረ እሞ ኣበዮ። ሽዑ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከምን ኵሎም ሰባቱን ብሓደ ሞቱ።