8 ድሕሪዙይ ዳዊት ተሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወፀ፤ “ኦ ጐይታይ ንጉስ!” ኢሉ ኸዓ ንሳኦል ፀውዖ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልፅ ምስ በለ፥ ዳዊት ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።
ኣብራም ከዓ ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። እግዚኣብሄር ድማ፦
ሽዑ ቤርሳቤህ ተምበርኪኻ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ሰገደትሉ፤ “ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን” እውን በለት።
“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር።
እምበኣር ንዅሉ ኸከምዝግብኦ ግበሩ፤ ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ፥ ፍርሓት ንዝግብኦ ፍርሓት፥ ክብሪ ንዝግብኦ ኽብሪ ሃቡ። ንዅሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃቡ።
ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሄር ፍርሑ፤ ንንጉስውን ኣኽብሩ።
እቲ ሓሽከር ምስ ከደ ድማ፥ ዳዊት ካብቲ ስፍራ ብወገን ደቡብ ተሲኡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሻዕ ፍግም በለ። ዮናታንን ዳዊትን ከዓ ተሰዓዓሙ፤ ብሓደ ኾይኖም ድማ በኸዩ፤ ምናዳ እኳ ዳዊት የመና በኸየ።
ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ ኸምዙይ ኢሉ ብምዝራብ ገንሖም፤ ንሳኦል ከይቐትልዎ ድማ ኸልከሎም። ሳኦል ከዓ ኻብቲ በዓቲ ወፂኡ መንገዱ ኸደ።
ዳዊት ድማ ንሳኦል ከምዙይ በሎ፦ “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም ‘እንሆ፥ ዳዊት ክቐትለካ እዩ ዝደሊ’ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ?
ሳኦል ድማ ድምፂ ዳዊት ኣለልዩ፥ “ወደይ ዳዊት፥ እዙይ ድምፅኻ ድዩ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “እወ፥ ጐይታይ ንጉስ! ድምፀይ እዩ” በሎ።
ንሱ ኸዓ “መልክዑ ኸመይ ዝበለ እዩ?” በላ። ንሳ ድማ “ካባ ዝተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወፅእ ኣሎ” በለት። ሽዑ ሳኦል፥ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።