Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 24:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 24:4
13 Referencias Cruzadas  

ርእሲ ኢያቡስቴ ከዓ ናብ ኬብሮን ኣምፂኦም ንዳዊት ሃብዎ። ንንጉስ ከዓ “ርእሲ ኢያቡስቴ፥ ወዲ ሳኦል እቲ ንህይወትካ ዝደልያ ዝነበረ ሳኦል ፀላኢኻ፥ እኒሀልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንኣኻ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈድዩልካ እዩ” በልዎ።


ኣብ ድንኳነይ ዝነብሩ ሰባት ብስጋ ኸፍቱ፥ ዘይፀገበ መን ይርከብ ኢሎም እንተ ዘይኮይኖም፥


ብቓለይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ብቓለይ ናብ እግዚኣብሄር ለመንኩ።


መሓረኒ፤ ኦ ጐይታ፥ መሓረኒ፤ ነፍሰይ ኣባኻ ተኣሚና ኣላሞ፥ መሃረኒ፤ እቲ መዓት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ተኣሚነ ኣለኹ።


እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣውዲቕዎ፥ እንተይተፀናተወ ብድንገት ሰብ ንዝቐተለ ግና፥ ንሱ ዝሃድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ።


ዳዊት ድማ ኻብ ጌት ሃዲሙ ናብታ ኣብ ጥቓ ኣዱላም ዘላ በዓቲ ተሓብአ። ኣሕዋቱን ኵሎም ቤት ኣቦኡን እዙይ ምስ ሰምዑ ኸዓ ናብኡ ወረዱ።


ኣስዒቡ ኸዓ “ኣቦይ ክጐድአካ ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ኻልኣይካ ክኸውን እየ፤ ነዙይ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ” በሎ።


ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ድማ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ከዓ “ናብታ ቕፅርን ማዕፆ ሓፂንን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓፅዩ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ” በለ።


እግዚኣብሄር ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ በዓቲ ኽቐትለካ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበኒ በዒንትኻ ርኢኻ ኣለኻ። ገሊኣቶም እኳ ኽቐትለካ መኺሮምኒ ነይሮም። ኣነ ግና፥ ‘ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ ክቐትል ኢለ ኢደይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ ራህራህኹልካ።


እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እንተሎስ፥ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ፅቡቕ ከም ዝገበርካለይ፥ ሎሚ ኣርአኻኒ።


ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፤ ኣነ ግና ‘እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከም ፅድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ’ ኢለ ኣብ ልዕሊ እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢደይ ከልዕል ኣይፈተኹን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos