2 ሽዑ ሳኦል፥ ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኡት ወሲዱ፥ ንዳዊትን ሰዓብቱን ኣጣል በረኻ ናብ ዝነብርዎ ኣኻውሕ ጤለ በዱ ኽደልዮም ከደ።
ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እግዚኣብሄር ከውሐይን እምባይን መድሓኒየይን እዩ።
“ጤል በረኻ እትወልደሉ ጊዜዶ ትፈልጦ ኢኻ? እራብ ቅልውላው እትተሓዘሉ ጊዜኸ ትምልከቶ ዲኻ?
ነዋሕቲ እምባታት ንዋልያታት፥ ኣኻውሕውን መዕቘብ ጊሐታት እዮም።
ሓያላታቶም ኣብ ጥቓ ኰዅሒ ተደርበዩ፤ ጥዕምቲ እያሞ ቓለይ ክሰምዑ እዮም።
ሓጥእ ንፃድቕ ይፀናተዎ፤ ክቐትሎውን ይደሊ።
እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋ በርትዑኒ፥ እቶም መከራይ ዝደልዩ፥ ከንቱ ተናገሩ፤ ኵልሻዕውን ብጥበራ ይመኽሩለይ ኣለዉ።
ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሓረየ። ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ኰረብታታት ቤቴልን ነበሩ። ሓደ ሽሕ ከዓ ምስ ዮናታን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።
ሳኦል ድማ ንዳዊት ምስጓጕ ሓዲጉ ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ስለዙይ ከዓ ነታ ቦታ ኰዅሒ ምፍልላይ ኢሎም ሰመይዋ።
ሽዑ ሳኦል፥ ንዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ክደልዮ፥ ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ምስኡ ሒዙ፥ ናብ ምድረ በዳ ዚፍ ወረደ።