1 ሳኦል ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋጊኡ ምስ ተመለሰ “እንሆ፥ ዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዓይንጋዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
ንኽፉኣት ሰባት ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆም፤ ሽዑ ዙፋን ንጉስ ብፅድቂ ኽትፀንዕ እያ።
መራሒ፥ ሓሰት ዝሰምዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቶም ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ዅሎም፥ ዓመፀኛታት ይኾኑ።
ንምፍሳስ ደም ከተርቲ ሰባት ኣባኺ ነበሩ፤ ኣባኺ ኣብቶም ኰረብታታት በልዑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ዝሙት ገበሩ።
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ኣስገርቲ ዓሳ ኣብኡ ክቖሙ፥ ካብ ዔይንጋዲ ኽሳዕ ዔይን ኤግላይም፥ መዘርግሒ መርበብ ክኸውን እዩ፤ ዓሳታት፥ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፥ በብዓይነቶም የመና ብዙሓት ኣብኡ ኽህልዉ እዮም።
“ንንጉስ ብኽፍኣቶም፥ ንመሳፍንቱውን ብሓሰቶም የሐጕስዎም ኣለዉ።
ኒብሻን ከተማ ጨው ዓይንጋዲ። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቝሸታት ኣለዋ።
ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም፦ “ዳዊት ኣብቲ ዱር ዘሎ ብየሴሞን ደቡብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ኤኬላ ተሓቢኡ ኣሎ።