7 ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ድማ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ከዓ “ናብታ ቕፅርን ማዕፆ ሓፂንን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓፅዩ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ” በለ።
ፈኸራ ኽፉኣት ሰባት ሓፂር፥ ሓጐስ እቲ ሕሱም ከዓ ኸም ቕፅበት ዓይኒ፥ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?
ኣብ ውሽጢ ዝተኸበበት ከተማ፥ ዘደንቕ ምሕረቱ ኣባይ ዝገለፀ እግዚኣብሄር ይመስገን።
ፈርዖን ድማ ‘ደቂ እስራኤል ምድረ በዳ ዓፅዩዎም ኮለል ይብሉ ኣለዉ’ ኽብል እዩ።
ፀላኢ፥ ኣሳጒጐ ኽሕዞም እየ፤ ምርኮውን ክካፈል እየ፤ ነፍሰይውን ክትፀግቦም እያ፤ ሰይፈይ ክመዝዝ እየ፤ ኢደይውን ክተጥፍኦም እያ፤ በለ።
ዳዊት ድማ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ተቐመጠ፤ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ዘሎ ኾረብታውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከዓ ዅሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፤ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ኣይሃቦን።
ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ፥ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኽሃድም እንተሎ ኤፉድ ተማሊኡ ወረደ።
ቀፂሉ ድማ ሳኦል ንዅሉ ሰራዊቱ ንውግእ ክኸቱን ናብ ቅዒላ ወሪዶም ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክኸብዎም ኣወጀ።