5 ዳዊት ከዓ ምስ ሰዓብቱ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፥ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ከብቶም ድማ ዘመተ፤ ብዙሕ ሰብ ከዓ ቐተለሎም። በዙይውን ነቶም ሰብ ቅዒላ ኣድሓኖም።
ንውግእ ሓይሊ ኣዕጠቕካኒ፤ ኣብ ልዕለይ ንዝቖሙ ፀላእተይ፥ ኣብ ትሕተይ ኣግዛእኻዮም።
ከጨንቖም እየ፤ ምቛምውን ኣይኽእሉን፤ ኣብ ትሕቲ እግረይ ክወድቑ እዮም።
ንፅድቂ ስለ ዝተኸተልኩ፥ ክንዲ ሰናይ ክፉእ ዝምልሱ ይፀልኡኒ ኣለዉ።
መሊሱ ድማ ውግእ ኾነ። ዳዊት ከዓ ወፂኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ኣበርቲዑ ስለ ዝወቕዖም ከዓ ኻብ ቅድሚኡ ሃደሙ።
ዳዊት ከዓ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ናብ ቅዒላ ኼድካ ተዋግኣዮም” ኢሉ መለሰሉ።
ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ፥ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኽሃድም እንተሎ ኤፉድ ተማሊኡ ወረደ።