Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 23:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ዳዊት ከዓ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ናብ ቅዒላ ኼድካ ተዋግኣዮም” ኢሉ መለሰሉ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 23:4
14 Referencias Cruzadas  

ድሕሪዙይ ዳዊት “ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓዲአንዶ ኽድይብ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ “ናበየነይቲ ኽድይብ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ ኬብሮን” በሎ።


ዳዊት ድማ “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ንፍልስጥኤማውያን ብርግፅ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ደይብ” በሎ።


እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፥ ንሞኣባውያንውን ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ።


ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ፥ ኣብ ኢደይዶ ኣሕሊፍካ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ተዋግኣዮም” በሎ።


ንስኻትኩም ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነታ ኸተማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ እሞ፥ ካብቲ ዝተሓባእኹምሉ ወፂእኹም ነታ ኸተማ ሓዝዋ።


ጌዴዎን ድማ ንኣምላኽ “ሓደ ሻዕ ክዛረብ፥ ኣይትቈጥዐኒ፤ በቲ ፀምሪ ሓደሻዕ ክፍትን ፍቐደለይ። እምበኣርከስ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ይኹን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ድማ ኣውሊ ይኹን” በሎ።


እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “በዞም ብኢዶም ሓፊኖም ዝሰተዩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ከድሕነኩም እየ፤ ንምድያማውያን ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ነፍሲ ወከፍ ነናብ ዓዱ ይመለስ” በሎ።


በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “ንምድያም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ተሲእኻ ናብቲ ሰፈሮም ውረድ።


መሊሶም ከዓ “እቲ ሰብኣይ ናብዙይዶ መፂኡ ኣሎ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ድማ “እወ! ንሱ ኣብ መንጎ ኣቑሑ ተሓቢኡ ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም።


ሽዑ ዳዊት “ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ኪድ፥ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእኻ ንቅዒላ ኣድሕና” በሎ።


ግና እቶም ሰዓብቲ ዳዊት “እንሆ፥ ንሕና ኣብዙይ ኣብ ይሁዳ እንተለና እኳ እንፈርሕ ዘለናስ፥ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኼድና ግዳ ምፍራሕና ኽገድድዶ ኣይኮነን?” በልዎ።


ዳዊት ከዓ ምስ ሰዓብቱ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፥ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ከብቶም ድማ ዘመተ፤ ብዙሕ ሰብ ከዓ ቐተለሎም። በዙይውን ነቶም ሰብ ቅዒላ ኣድሓኖም።


ንእግዚኣብሄር ድማ ጠየቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኮነ፥ ብኡሪም ኮነ፥ ብነቢያት፥ ኣይመለሰሉን።


ዳዊት ድማ፥ “ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ? ኸርክቦምዶኸ እኽእል እየ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ብርግፅ ክተርክቦም፥ ብርግፅውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፥ ሰዓቦም” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos