12 ዳዊት ድማ “ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰዓብተይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ክህቡና እዮም?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣሕሊፎም ክህቡኹም እዮም” በሎ።
ብሰብ ካብ ምትእምማን፥ ብእግዚኣብሄር ምትእምማን ይበልፅ።
ብኣኻ ተኣሚነ ኣለኹ እሞ፥ ኣንጊህኻ ምሕረትካ ኣስምዐኒ፤ ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዒለ ኣለኹሞ፥ እታ ዝኸዳ መንገዲ ኣፍልጠኒ።
ኣብ ኢድ ፀላኢየይ ኣይዓፀኻንን፤ ነእጋረይ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ኣቖምካየን።
ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር እትግዛእዶ ኣይኮነትን? ምድሓነይ ካብኡ እዩሞ።
እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም!
እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ፤ ኣነውን ፈለጥኩ፤ ስራሖምውን ገለፅካለይ።
ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።
ሰብ ይሁዳ ድማ “ስለ ምንታይ ክትዋግኡና ናባና ደየብኩም?” በልዎም። ንሳቶም ከዓ “ንሶምሶን ክንኣስሮ፥ ከምቲ ዝገበረና ድማ ኽንገብሮ ኢና ዝደየብና” በልዎም።
ከምቲ ኣነ ባርያኻ ሰሚዐዮ ዘለኹ፥ ሳኦል ናብ ቅዒላዶ ኽወርድ እዩ? ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ክህቡኒ እዮም? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! በይዛኻ እዙይ ንኣይ ንባርያኻ ኣፍልጠኒ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ክወርድ እዩ” በሎ።
ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ንጉስ! ኣብቲ ደስ ዝበለካ ጊዜ ውረድ፥ ንዳዊት ኣብ ኢድካ ኣሕሊፍና ምሃብ ግና ናትና ሓላፍነት እዩ” በልዎ።
ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ድማ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ከዓ “ናብታ ቕፅርን ማዕፆ ሓፂንን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓፅዩ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ” በለ።