11 ከምቲ ኣነ ባርያኻ ሰሚዐዮ ዘለኹ፥ ሳኦል ናብ ቅዒላዶ ኽወርድ እዩ? ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ክህቡኒ እዮም? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! በይዛኻ እዙይ ንኣይ ንባርያኻ ኣፍልጠኒ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ክወርድ እዩ” በሎ።
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ፤ ኣነውን ፈለጥኩ፤ ስራሖምውን ገለፅካለይ።
“ናባይ ጥራዕ፤ ኣነውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ዘይምርመርን ነገር ድማ ኽገልፀልካ እየ።
ከምዙይ ድማ በለ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ሳኦል ናብ ቅዒላ መፂኡ ብሰንከይ ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ ኸም ዝደሊ፥ ኣነ ባርያኻ ብርግፅ ሰሚዐ ኣለኹ።
ዳዊት ድማ “ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰዓብተይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ክህቡና እዮም?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣሕሊፎም ክህቡኹም እዮም” በሎ።