10 ከምዙይ ድማ በለ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ሳኦል ናብ ቅዒላ መፂኡ ብሰንከይ ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ ኸም ዝደሊ፥ ኣነ ባርያኻ ብርግፅ ሰሚዐ ኣለኹ።
ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ፃድቃን እንተ ተረኽቡ፥ ብርግፅዶ ኽተጥፍኦም ኢኻ? ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ፃድቃን ኢልካ እኳዶ ነታ ቦታ ኣይትምሕራን?
መርዶክዮስ ኣይሁዳዊ ኸም ዝኾነ ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ኢዱ ኽዝርግሕ፥ ኣብ ዓይኑ ዝተንዓቐ ኾይኑ ተርኣዮ፤ ስለዙይ ሃማ ንህዝቢ መርዶክዮስ፥ ነቶም ኣብ ኵላ መንግስቲ ኣርጤክስስ ዝነበሩ ንዅላቶም ኣይሁድ ከጥፍኦም ደለየ።
ኣብ ልዕሊ ድኻ ህዝቢ ዝገዝእ ክፉእ መራሒ፥ ከም ዝጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።
ንኖብ፥ ነታ ኸተማ ኻህናት፥ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዓ፤ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝጠብዉ ህፃናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሰይፊ ቐተለ።
ከምቲ ኣነ ባርያኻ ሰሚዐዮ ዘለኹ፥ ሳኦል ናብ ቅዒላዶ ኽወርድ እዩ? ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ክህቡኒ እዮም? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! በይዛኻ እዙይ ንኣይ ንባርያኻ ኣፍልጠኒ” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ክወርድ እዩ” በሎ።
ቀፂሉ ድማ ሳኦል ንዅሉ ሰራዊቱ ንውግእ ክኸቱን ናብ ቅዒላ ወሪዶም ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክኸብዎም ኣወጀ።
ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር “ኤፉድ ኣምፅእ” በሎ።