5 ነቢይ ጋድ ድማ ንዳዊት “ኣብዝ እምባዙይ ኣይትቀመጥ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሔሬት መፀ።
ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ነበረ፤ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቤተ ልሔም ነበሩ።
ዳዊት ንግሆ ቕድሚ ምትስኡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነቢይ ጋድ፥ ናብቲ ናይ ዳዊት ራእይ ነጋሪ መፂኡ
ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ እቲ ዕርዲ ነበረ፤ ሓሻኽር ፍልስጥኤማውያን ድማ ንቤተ ልሔም ሒዞምዋ ነበሩ።
እግዚኣብሄር ድማ ናይ ዳዊት ረኣዪ ንዝኾነ ንጋድ
እቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ኵሉ ነገራት ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ነቢይ ናታንን፥ ኣብ ታሪኽ እቲ ረኣዪ ጋድን ተፅሒፉ ኣሎ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ ገይሩ ዝኣዘዞ፥ ከምኡውን ከምቲ ንጉስ ዳዊት ብጋድ እቲ ናይ ንጉስ ነቢይን፥ ብነቢይ ናታንን ተመሪሑ ዝሰርዖ፥ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ፀናፅልን መሰንቆታትን በገናታትን ኣትሒዙ ኣቖሞም።
ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ናባኻ እግስግስ ኣለኹ፤ ነፍሰይ ንኣኻ ፀምአት፤ ዕንፀይትን ማይን ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ፥ ስጋይ ንኣኻ ከመይ ናፈቐት።
ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምፅኦም፤ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልቲታት ከዓ ምስኡ ተቐመጡ።