1 ዳዊት ድማ ኻብ ጌት ሃዲሙ ናብታ ኣብ ጥቓ ኣዱላም ዘላ በዓቲ ተሓብአ። ኣሕዋቱን ኵሎም ቤት ኣቦኡን እዙይ ምስ ሰምዑ ኸዓ ናብኡ ወረዱ።
በቲ ወርሓት እቱይ ከዓ፥ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ፥ ምስ ሓደ ኤራስ ዝስሙ ኣዶሎማዊ ሰብ ክቕመጥ ከደ።
ካብቶም ሰላሳ ጀጋኑ ድማ ሰለስተ ናብታ ኰዅሒ፥ ናብታ ዳዊት ዝነበረላ በዓቲ ኣዶላም ወረዱ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ለሰ ራፋይም ሰፊሩ ነበረ።
ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ እባርኾ፤ ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ።
ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፥ ዝወርስ ከምፀአልኪ እየ፤ ክብሪ እስራኤል ድማ ናብ ኣዶላም ክመፅእ እዩ።
እንሆ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኽወፅእ እዩ፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ኽረግፅ እዩ።
ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቕዕ ስለ ዝኾነት፥ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ።
ንጉስ ልብና፥ ንጉስ ዓዱላም፥
የርሙትን ዓዶላምን ሶኰትን ዓዜቃን፥
ሽዑ እቶም ሰዓብቱ “እታ እግዚኣብሄር ‘ነቲ ፀላኢኻ ኸም ድልየትካ ኽትገብሮስ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ’ ዝበለካ መዓልቲ እኒሃ ሎሚ እያ” በልዎ። ዳዊት ድማ ሰላሕ ኢሉ ኸይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረፀ።