9 እቲ ኻህን ድማ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ኤላህ ዝቐተልካዮ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ፥ እንሆ፥ ንሱ በዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፉድ ኣሎ፤ ኣብዙይ ከምኡ ዝበለ ኻልእ የለን እሞ፥ ክትወስዶ እንተ ደሊኻስ፥ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ከዓ “ከምኡ ዝበለ የለን እሞ ንእኡ ሃበኒ” በሎ።
ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ኸቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፤ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ድማ ተሰለፉ።
ዳዊት ድማ ንኣቢሜሌክ “እቲ ናይ ንጉስ ነገር ዘሀውኽ ስለ ዝኾነ ሰይፈይን ኣፅዋረይን ኣይተማላእኹን እሞ፥ ዂናት ወይ ሰይፊ ኣባኻዶ ኣሎ?” በሎ።
ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፤ ምግቢውን ሂብዎ፤ ሰይፊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ጎልያድ ከዓ ሂብዎ” ኢሉ ንሳኦል ነገሮ።
ነቲ ኣፅዋሩ ኸዓ ኣብ ቤት ጣዖት ኣስታሮት ኣንበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቅፅሪ ቤትሳን ሰቐልዎ።